ኣብ ቃላይ ጣና ትራንስፖርት ማይ ንምሃብ ጣና ነሽ ፪ ዝተብሃለት ጀልባ ናብ ኢትዮጵያ ጉዕዞ ጀሚራ


 

አዲስ አበባ/የካቲት/29/2016/ኢዜአ/ ኣብ ትራንስፖርት ባሕርን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ንጣና ኢትዮ ፌሪስ ጣና ንትራንስፖርት ማይ ውሽጢ ሃገር ንኸገልግሉ ዝተዓደጉ ክልተ ዘመናዊ ጀልባታት ናብ ኢትዮጵያ እናተጎዓዓዙ 'ዮም።

ጣና ነሽ ዝተብሃለት ዘመናዊት ህዝቢ ተጎዓዕዝ ጀልባን ኻልአይቲ ድማ ንእሽተይ ቕልጡፍቲ ጀልባን ብመርከብ ኣሶሳ ተፃዒነን ናብ ኢትዮጵያ እናተጎዓዓዛ 'የን።

ድሕሪ ናይ መዓልትታት ጉዕዞ 24 መጋቢት 2016 . ናብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅሓ ትፅቢት ከምዝግበር መረዳእታ ትራንስፖርት ባሕርን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ይሕብር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም