መበል 13 ውድድር ፀወታታት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ክኽፈት ኢዩ


ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/29/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ጋና ዝካየድ መበል 13 ውድድር ፀወታታት ኣፍሪካ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ኣብ ኣክራ ኣብ ዝርከብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ስፖርት ጋና ክካየድ ኢዩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፕሬዚዳንት ጋና ናና ኣኩፎ ኣዶ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሊቀ መንበር ሙሳ ፋኪ ማህማት፣ ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ጉዳያት ልምዓት ጥዕና፣ ሰብኣዊን ማሕበራዊን ኣምባሳደር ሚናታ ሳማቴ ሴሱማን ካልኦት ኣመራርሓታት እቲ ኮሚሽንን ክርከቡ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 14 መጋቢት ዝፀንሕ እቲ ውድደር ኣብ ሰለስተ ከተማታት ጋና ማለት እውን ከተማታት ኣክራ፣ ኩማሲን ኬፕ ኮስትን ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ውድድር ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ናብ ኣክራ ብምእታው ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናገበረ ይርከብ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም