ወታደራት ኔቶ ኣብ ዩክሬን ዝዋፈሩ እንተኾይኖም ዝተሓላለኸ ኩነታት ክስዕብ ከምዝኽእል ሩሲያ ኣጠንቂቓ

92

 

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/20/ 2016 /ኢዜአ/ወታደራት ቃል ኪዳን ጦር ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብ ዩክሬን ዝዋፈሩ እንተኾይኖም ዓለም ዝተሓላለኸ ኩነታት ክስዕብ ከምዝኽእል ሩሲያ ኣጠንቂቓ።

ሩሲያ እዚ ዝበለት ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሕብረት ኣውሮፓ ኔቶ ኣብ ዩክሬን እግረኛ ወታደራዊ ሓይሉ ከዋፍር ከምዝኽእል ምግላፆም ስዒቡ ኢዩ፡፡

ካብዚ ብምብጋስ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሩሲያ ኮንስታንቲን ኮሳቼቭ ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ÷ ኔቶ ወታደራዊ ሓይሉ ኣብ ዩክሬን ዝዋፈር እንተኾይኑ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ቀጥታ ኲናት ከም ምእዋጅ ይቑፀር ኢሎም፡፡

እዚ ናይ ኔቶ ሓሳብ ተግባራዊ ዝኸውን እንተኾይኑ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ ዝተሓላለኸ ኩነታት ክፍጠር ከምዝኽእል ብምግንዛብ፤ ትልሚ ኔቶ ክሬምሊን ብሱቕታ ኣይትሓልፎን እውን ኢሎም፡፡

መራሕቲ ኣውሮፓ ንሩሲያ ንምውጋእ ወታደራቶም ናብ ዩክሬን ንምልኣኽ ዝኾነ ይኹን ትልሚ ከመዘይብሎም ዝተገለፀ ይኹን እምበር ፍሉይ ሓይሊታት ምዕራባውያን ምስ ጦር ዩክሬን እናሰርሑ ከምዝኾኑ ሩሲያ ምግላፃ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም