ፎረም ጉዳያት ፍልሰት ሚኒስትራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

90

 

ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዓሰርተ ኣባል ሃገራት እቲ ዞባ፣ ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት፣ ትካል በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካን እናተሳተፉ ይርከቡ።

ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት እቲ ዞባ ዝረአ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ መጠን ፍልሰተኛታት ንምቁፅፃር ብፖሊሲ ዝተደገፈ ምኽረ ሓሳብ ንምቕማጥ ዘኽእል መድረኽ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብፍላይ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ሰፊሕ ቁፅሪ ፍልሰተኛታት ዘለወንን መመሓላለፊ ዝኾና ሃገራት፤ ኣብቲ ዓውዲ ሜላታት ምሕደራ ዝምልከት ልውውጥ ልምዲ ብምግባር ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሉ ኣንፈታት ከምዝቕመጡ ተገሊፁ።

ካብ ሎሚ ዕለት ጀሚሩ ንኣርባዕተ መዓልቲታት ኣብ ዝዘልቕ መድረኽ ዘተ÷ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ተወከልቲ ሶማሊያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ሩዋንዳ፣ ታንዛኒያ፣ ብሩንዲ፣ ኤርትራን ጅቡቲን እናተሳተፉ እዮም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም