ዋቸሞ ዩኒቨርሲቲ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ አመሪቁ - ኢዜአ ትግርኛ
ዋቸሞ ዩኒቨርሲቲ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ አመሪቁ

ኣዲስ ኣበባ /የካቲት/16/ 2016 /ኢዜአ/ዩኒቨርሲቲ ዋቸሞ ዘሰልጠኖም 2 ሺሕን 447 ተምሃሮ አመሪቁ።
ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓ፥ ኣባላት ሴኔት እቲ ዩንቨርስቲ፣ ኣካቢ ቦርድ ዩንቨርስቲ ዋቸሞ ብርሃኑ ሌንጂሶ(ዶ/ር)፣ ወለዲን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ንመበል 11 ግዘ ኣብ ዝተካየደ ስነ ስርዓት ምረቓ፥ ብስሩዕን ተኸታታሊን ትምህርቲ 2 ሺሕን 306፣ ብካልኣይ ድግሪ 141 ተምሃሮ አመሪቁ አሎ።
ካብ መንጎ እቶም ተመረቕቲ እቶም 43 ዶካትር ሕክምና፣ 272 መምህርነት ዝሰልጠኑ ኢዮም ተባሂሉ።