አብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዋና ዳይሪክተር ትካል ልምዓት እንዱስትሪ ገርድ ሙለር ንዝክሪዓወት ዐድዋ ጎብንዮም - ኢዜአ ትግርኛ
አብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዋና ዳይሪክተር ትካል ልምዓት እንዱስትሪ ገርድ ሙለር ንዝክሪዓወት ዐድዋ ጎብንዮም

ኣዲስ ኣበባ/ የካቲት/11/ 2016 /ኢዜአ/ዋና ዳይሬክተር ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኒዶ)ገርድ ሙለርን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ ኣዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዑደት ገይሮም።
እቶም ዋና ዳይሬክተር ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣብ ውሽጡ ናይ ትማሊ ታሪኽ ጥራሕ ዘይኮነ ንፅባሕ ወለዶ እውን ብምትሕብባር ምስራሕ ዓብዪ ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ ከምዝተዓዘቡ ሓቢሮም፡፡
ካብዚ ሓሊፉ ኮንፈረንስታት ንምክያድ ተመራፂ ቦታ ከምዝኾነ ምግላፆም ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ ገሊፀን።