ብራዚል ምስ አፍሪካ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ንምሕያል ቅርብቲ ምኩና ተገሊፁ

103


 

አዲስ አበባ/ የካቲት /9/2016/ኢዜአ/ብራዚል ምስ አፍሪካ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ንምሕያል ቅርብቲ ምኩና ፐረዝዳንት ብራዚል ሉዊስ ኢናሲዮ ሉላ ሲልቫ ገሊፆም

እቶም ፕረዝዳንት አብ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት አፍሪካ መክፈቲ መደረ አቐሪቦም።

አሻቡ ዓለም ለከ ቅልውላዋት ብሓባር ንምክልካል ሃገራት ሓቢረንን ታሓባቢረንን ክሰርሓ ይግባእ ኢሎም ።

ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ዘሎ -ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ህፁፅ መፍትሒ ዝጠልብ ምኩኑ እውን  ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉዊስ ኢናሲዮ ሉላ ሲልቫ አመልኪቶም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ስነ ሰርዓት መኽፈቲ መበል 37 ስሩዕ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ከም ባንኪ ዓለምን ኣይ ኤም ኤፍን ዝበላ ትካላት ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ዘቕርብኡ ኣሰራርሓ ልቓሕ ተለቃሕቲ ሃገራት ብዝልውጥ መገዲ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ኣፍሪካ ኣብ ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት ዘለዋ ውክልና ኣብ ፅዕንቶ ንክትኣቲ ዝገብር ኢዩ ብምባል፥ 54 ሃገራት ዝሓዘት ኣህጉር ዝግበኣ ረብሓ ነክትረክብ ህፁፅ ፃዕሪ የድሊ ክብሉ ተዛሪቦም።

ንአማራፅታት ሓይሊ ምስፋሕ ንለውጢ ከባብያዊ አየር ትምህርትን ቴክኖሎጂን ምስፋሕ ንዘላቂ ልምዓት ወሳኒ ምኩኑ እቶም ፕረዝዳንት ፀሪሖም

ኮይኑ እውን ብራዚል ምስ አፍሪካ ዘለዋ ርክብን ምትሕብባርን ክተዛይዶ ከምእትደሊ ገሊፆም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም