ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ኣብ ድሌታት ልምዓት ኣፍሪካ መእኸል ገይሮም ንክሰርሑ ሓባራዊ ፃዕሪ የድሊ

79

 

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት 9/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ድሌታት ልምዓት ኣፍሪካ መእኸል ዝገበሩ ትካላት ፋይናንስ ንምህናፅ ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ መራሒ ወፍሪ ሪፎርም እቲ ዘፈር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ጋናን ናና ኣኩፎ ኣዶ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ፕሬዚዳንት ጋና ናና ኣኩፎ ኣዶ እዚ ዝበሉ ሎሚ ንጉሆ ጎና ጎኒ እቲ ዝካየድ ዘሎ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ዓለም ለኸ ስርዓት ፋይናንስ ንምምሕያሽን ኣብ ዛዕባ ኣፍሪካን ዝጠመተ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መደረኦም፤ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ኣፍሪካ ዘለውዋ ፀገማት ንምቅላል ኣብ ድሌት እታ ኣህጉር መሰረት ዝገበረ ኣሰራርሓ ክኽተሉ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

እቲ ስርዓት ፋይናንስ ብምፍታሽ ዘለው ፀገማት ኣሰራርሓ ምስትኽኻል ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።

እቲ ምምሕያሽ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ብፍላይ ድማ ካብ ኣፍሪካ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝወፅእ ገንዘብ ምቁፅፃር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ጠመተ ክገብሩ ኣለዎም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም