መበል 44 ስሩዕ ኣኼባ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተዛዚሙ

78

 

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/8/ 2016 /ኢዜአ/መበል 44 ስሩዕ ኣኼባ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ ወጋሕታ ተዛዚሙ።

እቲ ኣኼባ "ንመበል 21 ክፍለ ዘበን ዝምጥን ኣፍሪካዊ ምምሃር፤ ጥንኩር ህንፀት ስርዓታት ትምህርቲ ብምህናፅ ኣብ ኣፍሪካ ኩለ መዳያዊ፣ ሕይወት ዘበን፣ ፅሬትን ግቡእነት ዘለዎን ተበፃሕነት ትምህርቲ ምዝርጋሕ ኣብ ትሕቲ ዝብል ሕብረት ኣፍሪካ ዘሰናደኦ መሪሕ ሓሳብ 2024 ኢዩ እናተኻየደ ፀኒሑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ካብ 6 ክሳብ 17 ጥሪ 2016 . መበል 47 ቀወምቲ ኮሚቴ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝተዛተየሎም ዛዕባታት ምይይጥ ገይሩ።

ክሳብ ሎሚ ለይቲ ኣብ ዝቐፀለ አኼባ እቲ ቤት ምኽሪ÷ ትካላት እቲ ሕብረት፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ቤት ምኽሪ ዝርከቡ ኮሚቴታትን ንኡሳት ኮሚቴታትን ከምኡ እውን ፀብፃብ ኣፈፃፅማ 10 ዓመት ኣጀንዳ 2063 ኣድሚፁ።

ሰላምን ድሕንነትን፣ ንግዲን ምትእስሳርን፣ ትካላዊ መመሓየሺታት፣ ትምህርቲ፣ ሕርሻን  ለውጢ ከባብያዊ አየርን፣ ሰብኣዊ መሰላት፣ ስርዓተ ፆታን ምብቃዕ መናእሰይን ከምኡ እውን ውዳበ ትካላትን መረፃን ዘተ ካብ ዝተገበረሎም ዛዕባታት ገሊኦም እዮም

እቲ ቤት ምኽሪ 9 10 ለካቲት 2016 . ንዝካየድ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝቐርቡ ዛዕባታት ከምዘፅደቐ ታሓቢሩ አሎ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም