ኢትዮጵያ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ልዑል መዋእለ ንዋይ ብምፍሳስ ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐት እያ-ኣምባሳደር ታዬ ኣጽቀስላሴ

79



 

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት 6/2016 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ልዑል መዋእለ ንዋይ ብምፍሳስ ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐት ምዃና ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንክልተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ዝካየድ መበል 44 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣኼባ አብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ።

ኣብቲ ኣኼባ መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ፤ ንኹሉ ዝባፃሕ ትኽክለኛ ስርዓት ትምህርቲ ብምዝርጋሕ ሰፊሕ ተበፃሕነት ምፍጣር ኣድላይ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 5 ዓመታት ልዑል መዋእለ ንዋይ ብምፍሳስ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ቀዳምነት ብምሃብ እናሰርሐት እያ ኢሎም።

ፅሬት ትምህርቲ እታ ኣህጉር ክውን ንምግባር እተን ኣባል ሃገራት ተሓባቢረን ክሰርሓ ከምዘለወን ብምሕባር ምስ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ብምውዳድ ምስራሕ እውን ኣድላይ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ እውን ኣብ ውሽጢ ሕብረት ሃገራት ኣባል ብሪክስ ምስታፍ ድማ ርክብ ደቡብ ምስ ደቡብ ክውን ንምግባር ከምዘኽእል ሓቢሮም።

ፀገም ኣፍሪካውያን ብኣፍሪካውያን ንምፍታሕ ዝተጀመረ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ንክኸውን ኢትዮጵያ ትፅቢት ዝግበረላ እጃማ ከምትዋፃእ እውን ኣረዲኦም።

ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ክውን ንክኸውን እናሰርሐት እያ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ፤ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ እናሰርሐት እያ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም