ብኽለት ከባቢ አየር  ፀገም ናብራ ከተማታት ህዝብና ኮይኑ ከይቅጽል ጠመተ ተዋሂብዎ ምስ መዳርግቲ አካላት እናተሰርሓ እዩ - በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ  

113


 

አዲስ አበባ/ጥሪ/30/2016/ኢዜአ/ ፅባቐ እታ ከተማ ንምሕላውን ብኽለት ከባቢ አየር  ንምውጋድን ጠመተ ተዋሂቡ እናተሰርሐ ምዃኑ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዝገበሮም ስምምዕነታት ዝርከብሉ ደረጃ ንምፍታሽን ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ወርሒ እቲ ትካል ንምግምጋምን ዝዓለመ መድረኽ እናካየደ ይርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ሓላፊ እቲ በዓል መዚ ኣይተ ዲዳ ዲርባ፤ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መቐመጢ ኤምባሲታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ምዃና ብምዝኽኻር፤

ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ብጠመተ ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም።

ከም መብርሂ ኣይተ ዲዳ፤ እታ ከተማ ንዘለዉዋ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ተጠቂምካ ካብ ኣፍሪካ ሰሓቢትን ምችውትን ከተማ ንክትኾን ከምኡ 'ውን ዜጋታት ካብ ዝብክሉ ድምፅታት፣ ካብ ምንኣስ ፅርየት ከባቢን ተተሓሓዝቲ ፀገማትን ብምርሓቕ ብዝተረጋግአ ኩነታት ህይወቶም ንክመርሑ እናተሰርሐ 'ዩ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዙርያ ሓለዋ ከባቢ ዝተፈላለዩ ፀገማት እንተነበሩ 'ውን ካብ ቀረባ ግዜ ናብዚ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ብሓባር ብዝተሰርሐ ስራሕ ምምሕያሻት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

በዚ 'ውን ኣብቲ መንፈቕ ዓመት ምስ 27 ትካላት ስምምዕነት ብምፍጣር ብሓባር ንምስራሕ ተተሊሙ ምስ 20 ትካላት ብሓባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም