ብሃገር ደረጃ ስራሕቲ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ክውገን እዩ-ሚኒስቴር ሕርሻ

93

 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/29/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ በጀት ዓመት 2016 ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሄክታር ኣብ ዝኾነ መሬት ስራሕቲ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምዝውገን ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ኩለን ክልላት ከምዝውገንን ክሳብ ሕዚ ድማ ዝተወሰና ክልላት መርሃ ግብሪ መመሰሲ ተፋሰስ ልምዓት ከምዘካየዱ መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ሓለዋን ልምዓትን ሃፍቲ ተፈጥሮ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ፋኖሴ መኮንን ሓቢሮም፡፡

ኣብ ምድላው፣ ትግበራን መዛዘሚን ምዕራፍን ብዝተፈለዩ ልዕሊ 11 ሺሕ ተፋሰሳት ልዕሊ 2 ሚሊየን 250 ሺሕ ሄክታር መሬት ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምዝሳለጥ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ምድላው ምዕራፍ ምስንዳእ መሳርሒታት ሕርሻ ህንፀት ዓቕሚ ሰብ ሞያን ሓረስቶትን ተፋሰሳትን ምፍላይን ኣብቶም ተፋሰሳት ትልሚ ናይ ምውፃእ ስራሕ ከምዝተወገነ ኣይተ ፋኖሴ ኣብሪሆም፡፡

ምዕራፍ ቅድመ ምድላው ምዝዛሙ ስዒቡ ድማ ኣብ ክልላት ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ መርሃ ግብሪ መጀመሪ እናተሳለጠ ከምዝኾነ  ተዛሪቦም።

ኣብቲ ስራሕቲ እቲ ሓለዋ ተፈጥሮ ልዕሊ 16 ሚሊየን 338 ሺሕን ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ክሳብ 40 ሚሊየን ሰባት ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘለዎ ብምሕባር፤ እቲ ተሳትፎ ብገንዘብ እንትትመን ልዕሊ 30 ቢሊየን ብር ከምዝኸውን ፀሪሖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም