ብሄራዊ ፓርክ ጋምቤላ ብዘላቕነት ንምልማዕን ካብቲ ዘፈር ዝርከብ ረብሓ ንምጥንኻርን ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝሓትት ተገሊፁ

113



 

ጋምቤላ/ጥሪ 26/2016 (ኢዜኣ) ብሄራዊ ፓርክ ጋምቤላ ብዘላቕነት ንምልማዕን ካብቲ ዘፈር ዝርከብ ረብሓ ንምጥንኻርን ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝሓትት በዓል መዚ ልምዓትን ሓለዋን እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ በዓል መዚ፤ ብሄራዊ ፓርክ ጋምቤላ ብዘላቕነት ምልማዕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ኣመልኪቱ ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ዘትዩ።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓትን ሓለዋን እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ኣይተ ኩመራ ዋቅጅራ ኣብቲ ዘተ ከምዝበልዎ፤ ብሄራዊ ፓርክ ጋምቤላ ሰፊሕን ዕቑርን ብዝሃ ሂወት ዘለዎ ዓብይ ፓርክ እዩ።

ይኹን እምበር ብመጠን ዘለዎ ዓቕምን በቲ ዝድለ ብርክን ብዘይምልምዑ ካብቲ ዓውዲ ትፅቢት ዝግበረሉ ረብሓ ከምዘይተረኸበሉ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ንዘፈር ቱሪዝም ብዝሃቦ ፍሉይ ትኹረት እቲ ፓርኪ ብኣግባቡ ለሚዑ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ብሄራዊ ፓርክ ጋምቤላ ብዘላቕነት ንምልማዕን ካብቲ ዘፈር ዝርከብ ረብሓ ንምጥንኻርን ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝሓትት እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም