ኢዜኣ ዘተኣኻኽቡ ትረኻታት ተበፃሕቲ ብምግባር ንዕውትነት ህንፀት ሃገር ቁልፊ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ-ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዱዓለም

101


 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 24/2016 (ኢዜኣ) ኢዜኣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ብሄራዊ ምርድዳእ ዝፈጥር ዘተኣኻኽብ ትረኻ ብምብፃሕ ንከይዲ ዕውት ህንፀት ሃገር ቁልፊ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዱዓለም ገሊፆም።

ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዱዓለም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመረቐ ዘበናዊ ሚድያ ኮምፕሌክስ ኢዜኣ ጎብንዮም።

ኣብቲ እዋን ዑደቶም፤ ኢዜኣ ካብቶም ቀዳሞት ትካላት ኢትዮጵያ ምዃኑ ብምሕባር ንነዊሕ ዓመታት ማእኸል ሓበሬታ እታ ሃገር ኮይኑ ከምዘገለገለ ሓቢሮም።

እቲ ለውጢ ስዒቡ መንግስቲ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ብዝሃቦ ትኹረት መራኸብቲ ሓፋሽ ዝነኣድ ለውጢ እናምፅኡ ምዃኖም እውን ፀሪሖም።

ኢዜኣ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ካብቲ ዝነበሮ ፀገም ብምውፃእ ዓለም ዝበፅሐቶ ቴክኖሎጂ ብምምላእ ነቲ ዘበን ዝምጥንን ተወዳዳሪ ኣገልግሎት ዜና ምዃን ዘኽእሎን ዓቕሚ ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።

እቶም ሚኒስትር ሰላም፤ ኢዜኣ ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዝተውሃቦ ልኡኽቶ ክውን ንምግባር ብተኸታታሊ እናሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ሰላም ምስክር እዩ ኢሎም።

ከይዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኢትጵያ ዘይተዛዘመ ምዃኑ ብምግላፅ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ትረኻታት ህንፀት ሃገረ መንግስቲ በቲ ዝድለ መጠን ንከይዕወት ከምዝገበሩ ኣረዲኦም።

ኣብ ብሄራዊ ረብሓ፣ሃገራዊ ፀጋታት፣ሓባራዊ ኢትዮጰያዊ መንነት ሓደ ዝገብር ሓዱሽ ትረኻ ከምዘድሊ ብምሕባር ኣብዚ መዳይ ኢዜኣ ግልፂ እጃም እናበርከተ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኢዜኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ኣብ ምምሕልላፍ እጃሙ ዝዓዘዘ ምዃኑ ብምሕባር ኣፍሪካውያን ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዝወደቕሉ እዋን ድምፂ ኮይንዎም ከምዝነበረን ቃልሲ ነፃነቶም ኣብ ምሕያል ከምዝሓገዘን ታሪኽ ዝዝክሮ ትካል እዩ ኢሎም።

መንግስቲ እዚ ለውጢ ሓድነታ ዝጠንከረን ዝበልፀገትን ኣፍሪካ ክውን ንምግባር ዝጀመሮ ፃዕሪ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ኢዜኣ ብሓዱሽ ምዕራፍ ዝጀመሮ ጉዕዞ ዝነኣድ ምዃኑ ብምሕባር ሚኒስቴር ሰላም እውን ብሓባር ንምስራሕ ድሉው ምዃኑ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም