አብ ክልል ማእከላይ ኢትዮጵያ ስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተጀሚሩ

80




ጠምባሮ/ ጥር /23/2016/ኢዜአ/አብ ክልል ማእከላይ ኢትዮጵያ ስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን አብ ጠምባሮ ፉሉይ ወረዳ ቀበሌ ጋዕቻ ብዕሊ ተጀሚሩ።

ሓላፊ ዘፈር ሃፍቲ ተፈጥሮን ምክትል ቢሮ ግብርና እቲ ክልል አይተ ዓለም ይርጋ ወልደስላሴ ከምዝገለፅዎ ናይ ሎሚ ዘመን  ስራሕ ሓለዋ ዕቀባ ማይን ሓመድን ንዋሕዝቲ  1ሸሕን 300 መሰረት ብምግባር ክካየድ እዩ።

ብስራሕ ዕቀባ ማይን ሓመድን ልዕሊ 147 ሽሕ ሄክታር መሬት ከምዝለምዕ ተዛሪቦም ።

ሎሚ ዝተጀመረ ስራሕ ''ዝተዋደደ ስራሕቲ ልምዓት ዋሓዝቲ ንኩለመዳያዊ ብልፅግና'' አብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ  ክሳለጥ እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም