ኢዜኣ ዘመረቖ ዘበናዊ ሚድያ ኮምፕሌክስ ኣብ ሃገራዊ ምርድዳእን ህንፀት ምስሊ ሃገርን ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ብዝበለፀ ንምዕባይ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ- ፕሮፌሰር መስፍን ኣርዓያ

102


 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 22/2016 (ኢዜኣ) ኢዜኣ ዘመረቖ ዘበናዊ ሚድያ ኮምፕሌክስ ኣብ ሃገራዊ ምርድዳእን ህንፀት ምሊ ሃገርን ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ብዝበለፀ ንምዕባይ ዓቕሚ ዝፈጥረሉ ከምዝኾነ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርዓያ ተዛሪቦም።

ካብ ዝጣየሽ 82 ዓመታት ዘቑፀረ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ዘህነፆ ዘበናዊ ሚድያ ኮምፕሌክስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ፍሉጣት ሰብ ሞያ እቲ ዘፈርን ኣብ ዝተረኸብሉ ትማሊ ከምዝተመረቐ ዝዝከር እዩ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርዓያ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ብምርካብ እዚ ዝተመረቐ ሚድያ ኮምፕሌክስ ዝተዓዘቡ እንትኸውን፤ እዚ ዘበናዊ ሚድያ ኮምፕሌክስ ድሌት ስራሕ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዘዕብን ዓለም ለኻዊ ተበፃሕነቱ ዘስፋሕፍሕን እዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ እውን ኢዜኣ ኣብ ሃገራዊ ምርድዳእን ህንፀት ምስሊ ሃገርን ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ብዝበለፀ ንምዕባይ ዓቕሚ ከምዝፈጥረሉ ገሊፆም።

ሚድያ ኣብ ህንፀት ምስሊ ሃገር ዘይትካእ እጃም ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ኢዜኣ ኣብ ውሽጢ ጉዕዞ 82 ዓመታት ህዝቢ ኣብ ምምሃር ዓብይ ብፅሒት ዝነበሮ ትካል ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።

ኢዜኣ፤ ኢትዮጵያ ብዝሃ መንነት ዘለዋ ሃገር ስለዝኾነት ክሳብ ጫፍ ንዘለው ህዝብታት ሓበሬታ ብቋንቆኦም ብምብፃሕ ነንሕድሕዶም ንክፋለጡን ንክረዳድኡን ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ብዝበለፀ ክጠናኸር ከምዝግባእ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም