ዝተወደበን ዘበናውን ትካል ሚድያ ብምህናፅ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብምምካት ቅልጡፍ፣ዝተማልአን ትኽክለኛን ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ተበፃሒምግባር ይግባእ

78



 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 22/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትጵያ ዝተወደበን ዘበናውን ትካል ሚድያ ብምህናፅ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብምምካት ቅልጡፍ፣ዝተማልአን ትኽክለኛን ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ምዝርጋሕ ከምዝግባእ ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ሰለሞን ሶካ ተዛሪቦም።

ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ዘህነፆ ዘበናዊ ሚድያ ኮምፕሌክስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ፍሉጣት ሰብ ሞያ እቲ ዘፈርን ኣብ ዝተረኸብሉ ምምራቑ ዝዝከር እዩ።

ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ሰለሞን ሶካ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝርገሐ ሓበሬታ ሓሶት እናተስፋሕፈሐ መፂኡ እዩ።

ኣብ ኢትጵያ ዝተወደበን ዘበናውን ትካል ሚድያ ብምህናፅ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብምምካት ቅልጡፍ፣ዝተማልአን ትኽክለኛን ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ምዝርጋሕ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ዋና ዳሪክተር አርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንጅነር ወርቁ ጋቸና ብወገኖም ኢዜአ ብሓድሽ ብራከ ምዕራፍ ጉኡዞ ምጅማሩ አድንቆም ።

ንዝጀመሮ ዕውት ጉኡዞ ብአርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ግድገፍ ከምዘለዎ ፀሪሆም ነዚ ካዓ ትካሎም አድላይ ደገፍን ሓገዝን ንምግባር ድልዊ ምኩኑ አረጋጊፆም ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም