እቲ ተግባር ኣቪዬሽን ኢንዱስትሪ ብዓርሰ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንምትካእ ናይ ሞራል ስንቂ ኢዩ - በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን

82

 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/22/ 2016 /ኢዜአ/ምምላስ "ፀሓይ" ኣውሮፕላን ኣቪዬሽን ኢንዱስትሪ ብናይ ባዕልና ፈጠራ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንምትካእ ናይ ሞራል ስንቂ ኢዩ ክብል በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ በዓል መዚ ፀሓይ ኣውሮፕላን ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም÷ ፀሓይ ኣውሮፕላን ኣብ ታሪኽ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ዕዙዝ ግደ ዘለዎን ቅድሚ 87 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ተሰሪሑ ዕዉት ፈተነ በረራ ንምግባር ከምዝኸኣለ ኣዘኻኺሩ፡፡

ኣብ እዋን ዳግም ወራር ጣሊያን ናብ ጣልያን ተወሲዱ ኣብ ሙዚየም ንዓመታት ተቐሚጡ ዝነበረ ፀሓይ ኣውሮፕላን ናብ ኢትዮጵያ ብምምላሱ ዝተሰመዖ ሓጎስ ገሊፁ፡፡

"ፀሓይ" ኣውሮፕላን ናብ ኢትዮጵያ ምምላሱ ንበዓል መዚ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ዓብዪ ትርጉም ዘለዎ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ፡፡

እቲ ኢንዱስትሪ ብናይ ባዕልና ውፅኢታት ፈጠራ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ንምትካእ እናተገበረ ንዝርከብ ፃዕሪ ናይ ሞራል ስንቂ ከምዝኸውን ኣመልኪቱ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም