ኢዜኣ ብሓዱሽ ምዕራፍ ምስሊ ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥን ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ክሰርሕ እዩ

63


 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 21/2016 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ኢዜኣ ብሓዱሽ ምዕራፍ ምስሊ ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥን ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ከምዝሰርሕ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ገሊፆም።

ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ዘህነፆ ዘበናዊ ሚድያ ኮምፕሌክስ ̎ኢዜኣ ብሓዱሽ ምዕራፍ̎ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣመሪቑ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ኣብዚ መርሃ ግብሪ፤ ኢዜኣ ብሓዱሽ ምዕራፍ ብሄራዊ ምርድዳእን ህንፀት ምስሊ ሃገርን ንምጥንኻር ክሰርሕ እዩ ኢሎም።

ኢዜኣ ኣብ ወፃኢ ምስ ዝርከቡ ኣገልግሎታት ዜና ብማዕረ ተወዳዳሪ ትካል እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ኢዜኣ ምስ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ መራኸብቲ ሓፋሽ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ሚድያታት ወፃኢ ሃገራት እውን ተዋዲዱ እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

እቲ ትካል፤ ንዝሓለፉ 82 ዓመታት ምስሊ ሃገር ንዓለም ኣብ ምብፃሕ ከምዝርከብ ፀሪሖም።

ጉዕዞ ለውጢ ኢትዮጵያ ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ ንህዝቢ ተበፃሒ ንምግባርን ንዓለም ንምፍላጥን ከምዝተግህ እውን ኣረዲኦም።

ሚድያ ኮምፕሌክስ ኢዜኣ መርኣያ መንግስቲ ዝሓዞ ሪፎርም ህንፀት ትካላት ሚድያ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

ሃገራዊ ትረኻታትን ብሄራዊ ምርድዳእን ንምጥንኻር ቁፅሪ ቋንቋታት ስርሑ እናወሰኸ እንትኸውን ኣብ ሃገራት እቲ ዞባ እውን ጨንፈር ንምኽፋት ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ገሊፆም።

እቲ ሚድያ ኮምፕሌክስ እዚ ዘበን ዝበፅሖ ቴክኖሎጂ ሚድያ ዘማልአ እንትኸውን 3 ዘበናዊ ስቱድዮታት ቴሌቪዥንን 4 ዘበናዊ ስቱድዮታት ሬድዮን ዝሓዘ እዩ።

ብተወሳኺ እውን ንኣገልግሎት ዝውዕሉ ብርክት ዝበሉ ክፍልታት፣መኣከቢ ኣዳራሻት፣ኣብያተ መፅሓፍቲ፣ማእኸል መዘናግዕን ዘበናዊ ጂምናዜምን ኣለውዎ።

ካብ ዝጣየሽ 82 ዓመታት ዝተሻገረ ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀረ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን መልክዕ ሃገር ንምህናፅን ዝሓዞ ልኡኽቶ ንምዕዋት ዜናን ዜና ተንከፍን ሓበሬታታት ተበፃሕቲ እናገበረ ይርከብ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ፣ኣመራርሓ ሚድያታትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም