ኢዜኣ ሓቅታት ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥን ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ብዝበለፀ ክሰርሕ ኣለዎ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

82


 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 21/2016 (ኢዜኣ) ኢዜኣ ኣብ ሓዱሽ ምዕራፍ ጉዕዝኡ ሓቅታት ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥን ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ብዝበለፀ ክሰርሕ ከምዘለዎ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ዘህነፆ ዘበናዊ ሚድያ ኮምፕሌክስ ኣመሪቑ።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ መርሃ ግብሪ ምረቓ ተረኺበን ከምዝበልኦ፤ ኢዜኣ ነዚ ዘበን ብዝምጥን ቴክኖሎጂ ከምዝተጠናኸረ ሓቢረን።

ኢዜኣ በዓል ውዕለታ ሃገር ዝኾነ ዓብይ ትካል እዩ እውን ኢለን።

ኢዜኣ ነዚ ዘበን ዝምጥኑ ቴክኖሎጂታት ዘማልአ ምዃኑ ምዕዛበን ብምሕባር ሓቅታት ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥን ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ ከምዘሎን ብዝበለፀ ድማ ክሰርሕ ከምዝግባእን ተዛሪበን።

ዘበናዊ ሚድያ ኮምፕሌክስ ኢዜኣ ነቲ ከባቢ ተወሳኺ መልክዕ ከምዝፈጠረ ብምግላፅ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣድላይ ደገፍ ንምግባር ቆራፅ ምዃኑ ኣረዲአን።

እቲ ሚድያ ኮምፕሌክስ እዚ ዘበን ዝበፅሖ ቴክኖሎጂ ሚድያ ዘማልአ እንትኸውን 3 ዘበናዊ ስቱድዮታት ቴሌቪዥንን 4 ዘበናዊ ስቱድዮታት ሬድዮን ዝሓዘ እዩ።

ብተወሳኺ እውን ንኣገልግሎት ዝውዕሉ ብርክት ዝበሉ ክፍልታት፣መኣከቢ ኣዳራሻት፣ኣብያተ መፅሓፍቲ፣ማእኸል መዘናግዕን ዘበናዊ ጂምናዜምን ኣለውዎ።

ካብ ዝጣየሽ 82 ዓመታት ዝተሻገረ ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀረ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን መልክዕ ሃገር ንምህናፅን ዝሓዞ ልኡኽቶ ንምዕዋት ዜናን ዜና ተንከፍን ሓበሬታታት ተበፃሕቲ እናገበረ ይርከብ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ፣ኣመራርሓ ሚድያታትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም