"ኢዜአ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንዝነበሩ ኣፍሪካውያን ድምፂ ኾይኑ ኣገልጊሉ 'ዩ" - ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር

74


አዲስ አበባ/ጥሪ/21/2016/ኢዜአ/ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት (ኢዜአ) ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንዝነበሩ ኣፍሪካውያን 'ውን ድምፂ ኾይኑ ከምዘገልገለ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

ኢዜአ ንዘስርሖ ዘመናዊ ኮምፕሌክስ ሚድያ ሎማዓንቲ ኣመሪቑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ከምዝገለፅዎ፤ ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ኣብ ዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘተኣማምን ፍልፍል መረዳእታ ኾይኑ ኣገልጊሉ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር መረዳእታ ካብ ምብፃሕ ሓሊፉ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንዝነበሩ ኣፍሪካውያን 'ውን ድምፂ ኾይኑ ኣገልጊሉ ' ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሄራዊ ረብሓ ክሕለው ኣብ ምግባርን ሓቂ ኢትዮጵያ ንዓለም ኣብ ምፍላጥን ዓብዪ ስራሕ ከምዝሰርሐ ብምግላፅ፤ ሕዚ ንዝሃነፆ ዓቕሚ ተጠቒሙ ብሄራዊ ምርድዳእ ኣብ ምምፃእን ሓቂ ኢትዮጵያ ንዓለም ኣብ ምርኣይን ጠመተ ሂቡ ንክሰርሕ ኣተሓሳሲቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም