እዚ ዘበን ዝጠልቦ ቴክኖሎጂ ሚድያ ዘማልኡ ዘበናዊ ስቱድዮታት ኢዜኣ ተጎብንዮም

74


ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 21/2016 (ኢዜኣ) እዚ ዘበን ዝበፅሖ ቴክኖሎጂ ሚድያ ዘማልኡ ዘበናዊ ስቱድዮታት ኢዜኣ ተመሪቆም።

ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ዘህነፆ ዘበናዊ ሚድያ ኮምፕሌክስ ሎሚ እናተመረቐ እንትኸውን ጎና ጎኒ እቲ ምረቓ እቲ ሚድያ ኮምፕሌክስ ብኣጋይሽ ተጎብንዩ።

ኣብቲ ዑደት፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ፣ሚኒስትራት፣ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ኣይተ ሰለሞን ሶካ፣ኣመራርሓ ሚድያታት ሓዊሱ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።

ሚድያ ኮምፕሌክስ ኢዜኣ እዚ ዘበን ዝጠልቦ ቴክኖሎጂ ሚድያ ዘማልኣ ምዃኑ እውን ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እውን እቶም ኣጋይሽ ዘበናዊ ስቱድዮታት ቴሌቪዥንን ሬድዮን፣ዘበናዊ ጅምናዜም ሓዊሱ ካልኦት ህንፀታት ተዓዚቦም።

እዚ ሚድያ ኮምፕሌክስ 3 ስቱድዮታት ቴሌቪዥንን 4 ስቱድዮታት ሬድዮን ዝሓዘ እዩ።

ብተወሳኺ እውን ንኣገልግሎት ዝውዕሉ ብርክት ዝበሉ ክፍልታት፣መኣከቢ ኣዳራሻት፣ኣብያተ መፅሓፍቲ፣ማእኸል መዘናግዕን ዘበናዊ ጂምናዜምን ኣለውዎ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም