ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝለምዑ ወሓዝቲ ተጠቀምቲ ኣማራፂ ማይ ከርሰ ምድሪ ንክንኸውን ኣኽኢሉና እዩ-ሓረስቶት

101



 

ሰቆጣ/ጥሪ 16/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ምምሕዳር ብሄረ ሰብ ዋግ ኽምራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝለምዑ ወሓዝቲ ተጠቀምቲ ኣማራፂ ማይ ከርሰ ምድሪ ንክኾኑ ከምዘኽኣሎም ሓረስቶት ወረዳ ሰቖጣ ንኢዜኣ ተዛሪቦም።

ነባራይ ወረዳ ሰቖጣ ጣብያ ቄባ ዝኾኑ ሓረስታይ ደባሽ ኣለምየ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ጎቦ ፀመናቁ ካብ ምንኽኻእ ሰባትን እንሰሳትን ነፃ ብምግባር ንክሕለው እናተገበረ እዩ።

ብተወሳኺ እውን ስራሕ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብቲ ጎቦ ብምስላጡ ተጠቀምቲ ኣማራፂ ማይ ከርሰ ምድሪ ንክኾኑ ከምዘኽኣሎም ተዛሪቦም።

ስለዝኮነ እውን ጣፍ፣ሽምብራ፣ጌሾን ቡናን እናልምዑ ምዃኖም ብምግላፅ ብዓመት ክሳብ 40 ሽሕ ብር ኣታዊ ከምዝረኽቡ ሓቢሮም።

ነባራይ እዚ ጣብያ ዝኾኑ ሓረስታይ እሸቱ ደሳለኝ ብግደኦም፤ ጎቦ ፀመናቁ ብልምዓት ወሓዝቲ ብምልምዑ ኣብቲ ከባቢኦም ዝርከብ ግድብ ሓመድ ብሑፃ ንከይመልእ ብምግባር ሓጋይ ሙሉእ ኣማራፂ ማይ ንክህሉ ከምዝገበረ ገሊፆም።

እቲ ወሓዚ ብኣግባቡ ስለዝለምዐ ካብ ልምዓት መስኖ ብተወሳኺ ንእንሰሳት ዘቤት እውን ማይ ብቐረባ ንክረኽቡ ከምዘኽኣለ ዝገለፁ ድማ ሓረስታይ ፍቃዱ ኣድማሴ እዮም።

መራሒ ጉጅለ ሓለዋ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ቤት ፅሕፈት ግብርና እቲ ወረዳ ዲያቆን ዋሲሁን ጎሹ፤ ኣብቲ ወረዳ ካብ ዝለምዑ 64 ወሓዝቲ እቶም ሰለስተ ሞዴል ወሓዝቲ እዮም ኢሎም።

መራሒ ጉጅለ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ መምርሒ ግብርና እቲ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣይተ ኣስፋው ተፈራ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝለምዑ ወሓዝቲ ተስፋ ዝህብ ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ።

ኣብቲ ምምሕዳር እቲ ብሄረሰብ 18 ሞዴል ወሓዝቲ ከምዝርከቡ ብምሕባር፤ ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ኣብ ስራሕቲ መስኖ፣ምህጣር እንሰሳትን ምርባሕ ንህብን ከምዝተዋፈሩ ኣረዲኦም።

ካብ ምንኽኻእ ሰባትን እንሰሳትን ነፃ ዝኾኑ ወሓዝቲ ብዝበለፀ ንምስፍሕፋሕ ሕግን ደንብን ወፂኡ እናተሰርሐ እንትኸውን ቁፅሪ እቶም ወሓዝቲ ናብ 27 ንምዕባይ ተግባራዊ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም