ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸል 16 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ምድላው እናተገበረ ‘ዩ

96

 

አዲስ አበባ/ጥሪ/16/2016/ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸል ኣብ ቀፃሊ እዋን  ንዝህልው መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ 16 ሚልዮን ፈልስታት እናተዳለዉ ምዃኖም ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ተፈጥሮን ውሕስና ምግብን ዞባ ማእኸል ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

መተሓባበሪ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ፍስሃ ፅዮን ነጋሽ ን ኢዜአ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ዞባ ብሓደጋታት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ዝባደመ መሬት ብደኒ ንምሽፋን ሃገር ቦቆል ፈልስታት ኣብ ምድላው ይርከቡ።

16 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ልዕሊ 400 ሽሕ ሄክታር መሬት ብደኒ ንምሽፋን ከምዝተተለመ ዝሓበሩ ኣይተ ፍስሃ ፅዮን፤ እቶም ኣብቲ ዞባ ኣብ እዋን ክረምቲ ዝትከሉ ፈልስታት ትሕዝቶ ደኒ ንምትኽኻእን ብምኽንያት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንዘጋጥሙ ፀገማት ንምክልኻልን ከምዝሕግዙ ሓቢሮም።

ነባራይ ወረዳ ላዕላይ ማጨው ጣብያ መደባይ ወለል ዝኾኑ ሓረስታይ ቀሺ ገብረ ክርስቶስ ተወልደ፤ ዝባደመ ከባቢ ብደኒ ንምሽፋን ዝግበር ፃዕሪ ናይ ወገኖም አበርክቶ ከም ዝፍፅሙ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ዝሓዝናዮ ዓመት ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ፈልሲ ከምዝሳተፉ ዝገለፁ ነባራይ ጣብያ ዓዲ ኢሌን ሓረስታይ ጎይትኦም ዘሚካኤል ብግደኦም፤ እቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ንቀፃሊ ወለዶ ዝሓሸ ከባቢ ንምትሕልላፍ ከምዝሕግዝ ገሊፆም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም