ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸላይ 16 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ምድላው እናተገበረ እዩ

114


 

ኣኽሱም/ጥሪ 14/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸላይ ኣብ እዋን ክረምቲ ንዝህልው መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ 16 ሚልዮን ፈልስታት እናተዳለዉ ምዃኖም ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ተፈጥሮን ውሕስና ምግብን ዞባ ማእኸላይ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

መተሓባበሪ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ፍስሃ ፅዮን ነጋሽ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ዞባ ብሓደጋታት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ዝባደመ መሬት ብደኒ ንምሽፋን ሃገር ቦቆል ፈልስታት ኣብ ምድላው ይርከቡ።

16 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ልዕሊ 400 ሽሕ ሄክታር መሬት ብደኒ ንምሽፋን ከምዝተተለመ እውን ገሊፆም።

እቶም ኣብቲ ዞባ ኣብ እዋን ክረምቲ ዝትከሉ ፈልስታት ትሕዝቶ ደኒ ንምትኽኻእን ብምኽንያት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንዘጋጥሙ ፀገማት ንምክልኻልን ከምዝሕግዙ ሓቢሮም።

ነባራይ ወረዳ ላዕላይ ማጨው ጣብያ መደባይ ወለል ዝኾኑ ሓረስታይ ቀሺ ገብረ ክርስቶስ ተወልደ፤ ዝባደመ ከባቢ ብደኒ ንምሽፋን ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፉ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ዝሓዝናዮ ዓመት ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ፈልሲ ከምዝሳተፉ ዝገለፁ ነባራይ ጣብያ ዓዲ ኢሌን ሓረስታይ ጎይትኦም ዘሚካኤል ብግደኦም፤ እቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ንቀፃሊ ወለዶ ዝሓሸ ከባቢ ንምትሕልላፍ ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም