ኣብ ክልል ትግራይ መድረኽ  ዘተ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ይሳለጥ ኣሎ

89



 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/13/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ

መድረኽ  ዘተ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሎሚ መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ብብርኪ ክልል ብምትሕብባር ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ዘተ፥ "ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንዘላቒ ቑጠባዊ ውሕስናና" ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ንርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል፣ ዞባታትን ወረዳታትን፣ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ይሳተፉ ከምዘለዉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም