ስነ ስርዓት ሓመድ ድበ ጋዜጠኛ ኣስፋው መሸሻ ተፈፂሙ


 

አዲስ አበባ/ጥሪ/13/2016/ኢዜአ/ ስነ ስርዓት ሓመድ ድበ ስርዓተ ጋዜጠኛ ኣስፋው መሸሻ ኣብ መንበረ ፀባኦት ቅድስት ስላሴ ካቴድራል ተፈፂሙ።

ልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ፕሮግራም ብምስንዳእን ብምቕራብን ዘሕለፈ ጋዜጠኛ ኣስፋው፤ ኣቦ ሓደ ተባዕታይ ውላድ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ጋዜጠኛ ኣስፋው ብምኽንያት ዝሓደሮ ሕማም ናብ ኣሜሪካ ኸይዱ ሕክምንኡ እናተኸታተለ ድሕሪ ምፅንሑ ኣብ  ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ጆርጅ ዋሺንግተን ቀዳም 4 ጥሪ ለይቲ 9:00 ሰዓት ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየ ዝዝከር 'ዩ።

ናይኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት መደብ ትግርኛ 'ውን ንስድራ ቤቱን ማሓዙቱን ፎተውቱን ኩሎም ፅንዓት ይሃብኩም ይብል

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም