ኣብ ክልል ሲዳማ ስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን እዚ ዓመት ተጀሚሩ

79


 

ሃዋሳ/ጥሪ 13/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ሲዳማ ንሓደ ወርሒ ዝካየድ ስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣብ ወረዳ በሎካ ኣባያ ጣብያ ጅርማንጆ ተጀሚሩ።

እቲ ስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ብዕሊ ተጀሚሩ።

እቲ ኣብ 646 ኣናእሽተይ ወሓዝቲ መሰረት ገይሩ ዝሳለጥ ስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን 126 ሽሕን 500 ሄክታር መሬት ከምዘልምዕ ተገሊፁ።

ጎና ጎኒ እቲ ስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን ምድላው ማዳበርያ ተፈጥሮን ፈልስን ከምዝሳለጥ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምጅማር፤ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ሲዳማ ኣይተ መምሩ ሞኬ፣ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካን ህንፀት ዓቕምን ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ሲዳማ ኣይተ ኣስፋው ጎኖሶ ሓዊሱ ኣመራርሓ እቲ ክልልን ወረዳን ነበርትን ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም