ኢትዮጵያ ን ውሳነታት ጉባኤ  ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምትግባር ትብዓት ከምዘለዋ አረጋጊፃ

79

 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/13/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ውሳነታት መበል 28 ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ንምትግባር ምስ ኩሎም መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባ ንምስራሕ ትብዓት ከም ዘለዋ  ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ብኣሰናዳእነት ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ኣብ ከተማ ዱባይ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ 30 ሕዳር ክሳብ 12 ታሕሳስስ ዝተኻየደ መበል 28 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ አየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ፡፡

ኣብ መብርሂኡ ድማ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ለውጢከባብያዊ አየር ውሕመ (COP28) ብዝርዝር ኣብ ዝተኻየዱ ድርድራት  ለውጢ ከባብያዊ አየር ከምኡ እውን ኢትዮጵያ እናካየደቶም ኣብ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ምላሽ ክሌማዊ ለውጢከባብያዊ አየርን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ዕዉት ተሳትፎ ብምግባር ከምዝተመለሰት ኣዘኻኺሩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (/) ኣብ ዝተሳተፉሉ ጉባኤ  ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣብ ዘስምዑዎ መደረ ብሳዕቤን  ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣብ ኢትዮጵያ እናጋጠሙ ዝርከቡ ፀገማት ምላሽ ንመሃብ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 32 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈለሲታት ከምዝተተኸሉ ኣፍሊጦም ከምዝነበሩ ፀሪሑ፡፡

ብፍርያት ስርናይ፣ ቀረብ ዝሕደስ ሓይሊ፣ ብምግቢ ባዕልኻ ንምኽኣል ዝተጀመረ ትሩፋት ሌማት ከምኡ እውን ዓውዲ ትራንስፖርት ለውጢ ከባብያዊ አየር ዝስማዕማዕ መተባብዒ ኣማራፂ ዓውዲታት ትራንስፖርት ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ብዝርዝር ከምዘረድኡ እቲ ሚኒስቴር ኣብሪሁ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ብመሪሕነት ከምዝተሳተፈት ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር÷ ኣባል ኣብ ዝኾነትሎም ጉጅለ ኣፍሪካ፣ ጉጅለ ኣብ ትሑት ደረጃ ዕቤት ዝርከባ ሃገራት ብምምራሕ ከምዝተሳተፈት እውን ገሊፁ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ማዕቐፍ ውሕመ ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ማዕቐፋት ምትሕብባር ዘለዋ እምነት መሰረት ብምግባር ውሳነታት መበል 28 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምትግባርን ኣብ ከይዲ ትግበራ ምስ ኩሎም መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነት እውን እቲ ሚኒስቴር  ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም