አብ ክልል ኣምሓራ ንሓምለዋይ አሰር ሓደ ነጥቢ ሸውዓተ ቢሊዮን ፈልስታት እናተዳለዉ 'ዮም -ምክትል ሓላፊት  ቢሮ ግብርና ኣልማዝ ግዜው (ዶ/ር)  

78

 

አዲስ አበባ/ጥሪ/13/2016/ኢዜአ/ንመርሃ-ግብሪ ሓምለዋይ አሰር 2016 . ሓደ ነጥቢ ሸውዓተ ቢሊዮን ፈልስታት እናተዳለዉ ምዃኖም ቢሮ ግብርና ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ሰባት ኣብቲ ተኸላ ፈልሲ ከምዝሳተፉ ድማ ታሓቢሩ

ምክትል ሓላፊት እቲ ቢሮ ኣልማዝ ግዜው (/)  ከምዝገለፅኦ፤ ብመርሃ-ግብሪ ሓምለዋይ አሰር እቲ ክልል ሓደ ነጥቢ ሸውዓተ ቢሊዮን ፈልስታት ንምትካል ምድላው እናተገበረ ይርከብ።

ኣብ 201 ሽሕ ሄክታር መሬት ፈልስታት ደኒ፣ ፍራምረን ዘፈር ብዙሕ ረብሓ ዘለዎም ፈልስታትን ከምዝትከሉ ገሊፀን፤ ፈልስታት ኣብ 84 ሽሕ ጣብያታት ፈልሲ እናተዳለዉ ከምዝርከቡ ሓቢረን።

ኣብ 2016 . ኣብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር አብ  ሓንቲ ፀሓይ ብርክት ዝበሉ ፈልስታት ንምትካል ከምዝተተለመ ገሊፀን፤

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም