ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ 10 ተንቀሳቐስቲ ጣብያታት መከታተሊ ብኽለት ኣየር ክትከሉ እዮም-ኢንስቲትዩት ሚትዎሮሎጂ ኢትዮጵያ

66

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 9/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ 10 ተንቀሳቐስቲ ጣብያታት መከታተሊ ብኽለት ኣየር ከምዝትከሉ ኢንስቲትዩት ሚትዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንስቲትዩት፤ ሓቃውነትን እዋናውነትን ሓበሬታ ትንበያ ኣየር ዘዕብዩ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምስፍሕፋሕ ትኹረት ከምዝገበረ ገሊፁ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣይተ ክንፈ ሃይለማርያም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፤ እቲ ኢንስቲትዩት ሓበሬታ ናይ መእካብን ምትንታንን ዓቕሙ ንምዕባይ ኣብ ዝሕግዙ ቴክኖሎጂታት ትኹረት ከምዝገበረ ሓቢሮም።

እቲ ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ትካላት ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ፕሮጀክትታት ሓንፂፁ ናብ ስራሕ ምእታዉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ እውን ብርኪ መሳርሕታት መአኪቢ ሓበሬታ ብምምሕያሽ፣ቁፅሮምን ውፅኢታውነቶምን ኣብ ምዕባይ ጭቡጣት ምንቅስቓሳት እናገበረ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ እውን ካብ መንግስቲ ፊንላንድ ብዝተረኸበ ሓገዝ 3 ተወሰኽቲ ራዳር መከታተሊ ኩነታት ኣየርን 4 መከታተሊ መብረቕን ጣብያታት ናብ ስራሕ ንምእታው ምድላዋት ተጀሚሮም እዮም ኢሎም።

ብፍላይ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 10 ተንቀሳቐስቲ ጣብያታት መከታተሊ ብኽለት ኣየር ከምዝትከሉ ፀሪሖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም