ኣብ ክልል ኦሮሚያ ስራሕቲ ዝተዋደደ ልምዓት ወሓዝቲ እዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ 3 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ክሳለጥ እዩ-ኣይተ ኣብዱረ

56



 

ኣዳማ/ጥሪ 9/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ስራሕቲ ዝተዋደደ ልምዓት ወሓዝቲ እዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ 3 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ንምስላጥ ምድላው ከምዝተጀመረ ብመኣርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ክላስጠር ገፀር እቲ ክልል ኣይተ ኣብዱረህማን ኣብደላ ገሊፆም።

ኣይተ ኣብዱረህማን ኣብደላ፤ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ኣደኣ ጣብያ ጎበሶዬ ስራሕቲ ዝተዋደደ ልምዓት ወሓዝቲ ዘጀመሩ እንትኾኑ ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ክልል ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ወሓዝቲ ፍርያትን መፍረያይነትን ግብርና ወሲኹ እዩ ክብሉ ኣብቲ እዋነ ገሊፆም።

ብተወሳኺ እውን እቲ ስራሕቲ ልምዓት ወሓዝቲ ኣብ ምርባሕ ንህብን እንሰሳትን ንብርክት ዝበሉ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ዓመት እውን ኣብ ልዕሊ 6 ሽሕን 400 ወሓዝቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንምስራሕ ሎሚ ብዕሊ ከምዝተጀመረ ገሊፆም።

ስለዝኾነ እውን ልዕሊ 3 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ንምሽፋን ከምዝተተለመ ብምሕባር ኣብቲ 60 መዓልትታት ዝካየድ ወፍሪ ልዕሊ 9 ነጥቢ 8 ሚልዮን ህዝቢ ክሳተፍ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም