ኣብ ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታት ምክንኻን እቲ ዝተተለመ ትልሚ ንምዕዋት ኣገዳሲ እዩ-ኣይተ ኦርዲን በድሪ

67


 

ሃረር/ጥሪ 8/2016 (ኢዜኣ) ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታት ምክንኻን እቲ ዝተተለመ ትልሚ ንምዕዋት ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳርን ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታት ብምዕዛብ ኣብ ምክንኻን እቶም ፈልስታት ተሳቲፎም።

ኣይተ ኦርዲን በድሪ ኣብቲ ወፍሪ ምክንኻን ፈልሲ፤ ፈልስታት በቢዓመቱ ካብ ምትካል ብተወሳኺ ብቐረባ ምክትታትልን ምክንኻንን ይግባእ ኢሎም።

ኣብቲ እዋን ክረምቲ ዝተተኸሉ ፈልስታት ንህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎም ብምሕባር ኣብ ወረዳታት ከተማታትን ገፀራትን እቲ ክልል ዝሳለጡ ስራሕቲ ምኹስኳስ፣ማይ ምስታይን ምክንኻንን እቶም ፈልስታት ኣተባቢዖም።

̎እንተኽሎም ፈልስታት ብኣግባቡ ሓለዋን ክንክንን እንተዘይተገይርሎም እቲ ዝድለ ውፅኢት ከምፅኡ ኣይኽእሉን̎ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር እቲ ማሕበረሰብ ይኹን ትካላት ንዝተኸልዎም ፈልስታት ስራሕቲ ምክንኻንን ምስታይ ማይን ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ሓቲቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም