ኣብ ክልል ትግራይ ብልዕሊ 50 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/6/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ፅምብላ ከተማ ዓዲገብሩ ብልዕሊ 50 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ(ዶክተር) ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

ነቲ ቤት ትምህርቲ መሪቖም ዝኸፈቱ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ናብ ዝልዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ኩሉ ክረባረብ ይግባእ ኢሎም።

በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ(ዶክተር) ብልዕሊ 350 ሚሊየን ብር ወፃኢ ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ሸውዓተ ደረጅኡ ዝሓለወ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ቃል ብምእታው እምነ ሰረት ከምዘንበሩ ዝዝከር ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዓዲ ገብሩ ዝርከብ ሓፈሻዊ ካልአይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ፥ ህንፀቱ ተዛዚሙ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ፥ ኣይተ ጌተቸው ረዳ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልልን ዞባታትን ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም