ሕማም ሽኮርያ ብከመይ ምክልካል ይካአል ?

 

ሕማም ሽኮያር ኣብ ጣፍያ ኢንሱሊን እንድሕር ዘይፈረዩ ወይ ድማ ብግቡእ እንተዘይሰሪሑ ኣብ ደምና ሽኮር እንትእከብ ዝፍጠር ሕማም ኢዩ።

ክንምገብ እንተለና ሰብነትና ሓይሊ ወሃብቲ ምግቢታት (ካርቦሃይድሬትስ) ናብ ሽኮር (ግሉኮዝ) ይቕይሮም።

 ኣብ ጣፍያ ዝፈሪ ኢንሱሊን ዝተባህለ ሆርሞን ጉልበት ክንረክብ ምእንቲ ንዋህዮታት ሰብነትና ነዚ ሽኮር ክመጥዎ ዝእዝዝ እዩ።

ኢንሱሊን እንድሕር ዘይፈረየ ወይ ድማ ብግቡእ እንተዘይሰሪሑ ኣብ ደምና ሽኮር ይእከብ÷ እዚ ክስተት ሕማም ሽኮያር ይፈጥር።

ሕማም ሽኮር ብውርሲ [ጀነቲክ] ከባብያዊ ኩነታትን መንቀልታት ዝምርኮስ ኮይኑ÷ ነገር ግን ብጥዑይ ኣመጋግባን ንጡፍ ኣነባብራን መጠን ሽኮር ደም ምቁፅፃር ይከኣል ኢዩ።

ዘይተመዓራረየ ሽኮር ዘለዎም ምግብታትን መስተታትን ምውጋድ፤ ከምኡ እውን ፃዕዳ ባኒን ፓስታን ተፈጥሮኣዊ መዓዛ ብዘለዎም ምግብታት ምቕያር ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ።

ዝተፃረየ ሽኮርን ዝተፃረየ እኽልን ብቪታሚን ዝሃብተመ ክፋል ሰውነትና ስለዝውገድ መኣዛታት ክጎደሎ ይኽእል።

ንኣብነት ፃዕዳ ሕሩጭ፣ ፃዕዳ ባኒ፣ ፃዕዳ ሩዝ፣ ፃዕዳ ፓስታ፣ ኬክ፣ ሽኮር ዘለዎ መስተታት ምቁር ምግቢን ተወሳኺ ሽኮር ዘለዎ ቁርሲን ይርከብዎም።

ስርዓት ዘለዎ ኣመጋግባ ኣሕምልትን ፍረታትን የጠቓልል፤ ብተወሳኺ ጥዕና ዘለዎም ዘይቲታት፣ ብሳርዲን፣ ሳልሞንን ስገምሪን ዝደንፍዑ ዓሳታት የጠቓልል።

ኣብ ስሩዕ ግዜ ምብላዕን ምስ ፀገብካ ምብላዕ ምቁራጽን ኣገዳሲ ኢዩ።

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር እውን ኣብ ደምና ዘሎ መጠን ሽኮር ንምንካይ ዝሕግዝ ኢዩ።

ምዕሩይ ክብደት ኣካላትና ደረጃ ሽኮር ኣብ ደምና ብቐሊሉ ንኽንኪ ይገብሮ።

ሽጋራ ዘይምትካኽን መጠን ኮሌስትሮልና ምክትታልን እውን ኣገዳሲ ከምዝኾነን ሓደጋ ሕማም ልቢ ንምንካይ ከምዝሕግዝን ፀብፃብ ቢቢሲ የመላክት

ሕማም ሽኮርያ ብከምዚ ምክልካል ከምዝካአል ንምዕድ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም