ብመስኖ ዝተደገፈ ስራሕቲ ሆርቲካልቸር ንምውጋን ዝተገበረ ፃዕሪ ዝነኣድ ውፅኢት የምፅእ ኣሎ - ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)




 

ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/16/ 2016 /ኢዜአ/ብመስኖ ዝተደገፈን ፍርያቱ ዝዓዘዘን ስራሕ ሆርቲካልቸር ንምውጋን ዝተገበረ ፃዕሪ ዝነኣድ ውፅኢት እናርአየ ከምዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (/) ኣፍሊጦም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ትልሚ ልምዓት ዓሰርተ ዓመት ፍርያት ፍረምረን ካልኦት ወሰንቲ ፍርያታት እቲ ዓውዲን ዘካትት ስራሕቲ ልምዓት ሆርቲካልቸር ንምስፋሕ ዝዓለመ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ብምዃኑ ድማ ብመስኖ ዝተደገፈን ፍርያቱ ዝዓዘዘን ስራሕ ሆርቲካልቸር ንምውጋን ዝተገበረ ፃዕሪ ዝነኣድ ውፅኢት እናርአየ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ዋና መርአያ ናይዚ ውፅኢት ኣብ ፍርያት ፓፓያ ዝተርኣየ መፍረያይነት ኢዩ ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሒፎም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም