ብፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ጅቡቲ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ብሄራዊ ሙዝየም ኢትዮጵያ ዑደት ገይሩ


አዲስ አበባ/ታሕሳስ/11/2016/ኢዜአ/ ብፕሬዚዳንት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ሪፐብሊክ ጅቡቲ ድልኤታ መሓመድ ድልኤታ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኻን ኣብ ብሄራዊ ሙዝየም ኢትዮጵያ ዑደት ገይሩ።

በቶም ፕሬዚዳንት ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኻን ኢትዮጵያ ብዓለም ለኸ ደረጃ ኣብ ኣመፃፅኣ ዘርኢ ወድሰብ ኣብ ዘለዉ ዓለም ለኻዊ ርኽበታት ኣንትሮፖሎጂ፣ ስልጣነ ኢትዮጵያ ዘርእዩ ኣርኪዎሎጂታትን ታሪኻዊ ቕርስታት ዑደት ገይሮም።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ቕርሲ ኢትዮጵያ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ኢትዮጵያ ፍልፍል ስልጣነ ቀዳሞት ምዃና ንዝምስክሩ ሓድግታት  ኣጎብንዮም።

ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ጅቡቲ ድልኤታ መሓመድ ድልኤታ ኣብ ብሄራዊ ሙዝየም ኢትዮጵያ ተረኺቦም ብዝገበርዎ ዑደት ከምዝተሓጎሱ ምዝራቦም ካብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም