ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ውድድር ስፖርት ምሕምባስ አብ ማይ ንፈለማ እዋን ክልተ ሜዳልያታት ወርቂ ረኺባ


 

አዲስ አበባ/ሕዳር/26/2016/ኢዜአ/ ብሄራዊ ጉጅለ ስፖርት ሓመሳ ማይ ኢትዮጵያ ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ኣብ ዝተሳለጠ 8 ሻምፒዮና ዞባ ሰለስተ ሓመሳ ማይ ኣፍሪካ ብውድድር ማስተርስ ሓመሳ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ክልተ ሜዳልያታት ወርቂ ክተመዝግብ ክኢላ።

ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ሻምፒዮና ዞባ ሰለስተ ሓመሳ ማይ ኣፍሪካ ብሰገናት መናእሰይን ማስተርስ ሓመሳን ዝተሳተፈት እንትኸውን፤ 50 ሜትሮ ነፃ ምቕዛፍን 100 ሜትር ኣፍ-ልቢ ምቕዛፍን ብእስከዳር ኣቻምየለህ ኣቢላ ክልተ ሜዳልያታት ወርቂ ክተመዝግብ ክኢላ።

ኣብቲ 8 ውድድር ሻምፒዮና ዞባ ሰለስተ ሓመሳ ማይ ኣፍሪካ ልዕሊ 45 ዓመት ዕድመ ዘለዎምን ብስፖርት ማይ ልምዲ ዘለዎምን ስፖርተኛታት ኣብ ዝተሳተፍሉ ዞባ ሰለስተ ውድድር ሓመሳ ማስተርስ ብእስከዳር ኣቻምየለህ ዝተመዝገበ ውፅኢት ንኢትዮጵያ ኢሉ 'ውን ንፈተውቲ ስፖርት ዘኹርዕ ዓወት ኾይኑ ተመዝጊቡ።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩዋንዳ እቲ ብሄራዊ ጉጅለ ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ኣብ ዝዓረፈሉ ቦታ ተረኺቡ ንዝገበሮ ምትብባዕ  ብሄራዊ ጉጅለ ዓብዪ ምስጋና ከምዘቕረበ ካብ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም