ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር  ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ኣትዮም።

አዲስ አበባ/ሕዳር/24/2016/ኢዜአ/ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር  ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ኣትዮም።

እቶም ኣፈ-ጉባኤ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ህዳሰ ኣሶሳ እንትበፅሑ ንምክትል ርእሰ-ምምሕዳር እቲ ክልል ጌታሁን ኣብዲሳ ሓዊሱ ኻልኦት ኣመራርሓታት እቲ ክልል ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ኣፈ-ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብቲ ክልል ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት "ካብ ዕዳ ናብ ምንዳ" ብዝብል ቴማ ኣብ ማእኸል ኣሶሳ ንኣመራርሓታት መንግስቲ እናተውሃበ ኣብ ዝርከብ ስልጠና መጠቓለሊ ክህቡ 'ዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ከም ፀብፃብ  ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል

ብተወሳኺ 'ውን ኣብቲ ክልልአብ ህንፀት  ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ከካይዱ እዮም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም