ኣብ ማራቶን ቫሌንሺያ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ማራቶን ቫሌንሺያ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም

ኣዲስ ኣበባ / ሕዳር/23/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ማራቶን ቫሌንሺያ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም።
ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ሲሳይ ለማ ነቲ ርሕቐት 2 ሰዓት 1 ደቒቕን 48 ሰከንድን ብዝኾነ ግዘ ብምእታው ውድድሩ ዛዚሙ፡፡
ኬንያዊ ኣትሌት ኣሌክሳንደር ሙቲሶ ካልኣይ ከምኡ እውን ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ዳዊት ወልዴ ሳልሳይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሞም፡፡
ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ወርቅነሽ ደገፋ፣ ኣልማዝ ኣያናን ህይወት ገብረኪዳንን ተኸታቲለን ብምእታው ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ዘሎ ደረጃ ብመሓዝ ተዓዊተን፡፡