እሴታት ሰላም፣ ምክእኣልናን ሕብረትናን ብምጉልባት ብዝሃነትና ክነጠናኽር ከምዝግባእ ተሓቢሩ


 

አዲስ አበባ/ሕዳር/18/2016/ኢዜአ/ ኣብ ክልል ሃረሪ ንመበል 18 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር መዓልቲ ሕብረት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተኸቢሩ ውዒሉ።

"ብዝሃነትን ማዕርነትን ንሃገራዊ ሓድነት" ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተኸበረ መርሃግብሪ ዝተረኸባ ሓላፊት ቢሮ ፐብሊክ ሰርቪስን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ክልል ሃረሪ ወይዘሮ ደሊላ ዩሱፍ ከምዝተዛረብኦ ንብዝሃነት መሰረት ዝገበረ እሴት ሕብረት፣ ሓድነት ኸምኡ 'ውን ምክእኣልን ብሓባር ናይ ምንባርን ብምጥንኻር ሃገራዊ ሓድነት ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም።

ብፍላይ 'ውን ከተማ ሃረሪ ተምሳሌት ሰላም፣ ምክእኣልን ሓቢርካ ምንባርን ምዃና ክቕፅል ምግባር ሓላፍነት ኹሉ ማሕበረሰብ ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፀን።

ኣብቲ መድረኽ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ፐብሊክ ሰርቪስን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ኣይተ ብርሃኑ ሁንዴ ብወገኖም ሕብረትና ዋልታ ዕብየትናን ብልፅግናናን ' ክብሉ ከምዝተዛረቡ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም