ኣብ ደቡብ ቻይና ግዝኣት ጓንግዶንግ ዝተሃነፀ ሓዱሽ ብውሽጢ ባሕሪ ዘቋርፅ ዘበናዊ መገዲ ህንፀቱ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ። - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ደቡብ ቻይና ግዝኣት ጓንግዶንግ ዝተሃነፀ ሓዱሽ ብውሽጢ ባሕሪ ዘቋርፅ ዘበናዊ መገዲ ህንፀቱ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።
![](/documents/42166/0/%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93+%2849%29.jpg/ddd7e13d-6aa3-ef10-5aac-efb60dc926b7?version=1.0&t=1701176090741&download=true)
ኣዲስ ኣበባ /ሕዳር/18/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ደቡብ ቻይና ግዝኣት ጓንግዶንግ ዝተሃነፀ ሓዱሽ ብውሽጢ ባሕሪ ዘቋርፅ ዘበናዊ መገዲ ህንፀቱ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።
ክሳብ 6 ነጥቢ 8 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን እቲ መገዲ÷ ኣካል ሼንዘንን ዞንግሻንን ዘራኽብ 24 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ኣውራ ጎዳና ከምዝኾነ ሲ ጂ ቲ ኤን ሓቢሩ።
መራኸቢ መገዲ ሼንዘን-ዞንግሻን÷ ኣብ ዓብዪ ባሕሪ ወሽመጥ ጓንግዶንግ- ሆንግ ኮንግ- ማካኦ ቀንዲ ፕሮጀክት ትራንስፖርት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ሓደ በዓቲ ውሽጢ ማይ፣ ክልተ ድልድላትን ክልተ ሰብ ስራሕ ደሴታትን ዝሓቖፈ እንትኸውን÷ እዚ ድማ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ኣዚዮም ፈተንቲ ባሕሪ ዘቋርፁ ፕሮጀክታት ሓደ ከምዝገብሮ ተሓቢሩ።
እቲ መቋረፂ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ንትራፊክ ክፍቲ ከምዝግበር ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ካብ ሼንዘን ናብ ዞንግሻን ዝወስድ ዝነበረ ክልተ ሰዓት ናብ 20 ደቒቕ ከምዝወርድ እውን ተገሊፁ።
መራኸቢ መገዲ ሼንዘን-ዞንግሻን ከም ሆንግ ኮንግ-ዙሃይ-ማካኦ ምስ ዝበሉ ነባር መስመር ድልድላት ብምጥማር ኣብ ከባቢ ዓብዪ ወሽመጥ ባሕሪ መቋረፂ ናሕሪን መተሓላለፍቲ ሩባታትን ከምዝፈጥር እውን ታሓቢሩ ።