ኣብ ደቡብ ቻይና ግዝኣት ጓንግዶንግ ዝተሃነፀ ሓዱሽ ብውሽጢ ባሕሪ ዘቋርፅ ዘበናዊ መገዲ ህንፀቱ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።


 

ኣዲስ ኣበባ /ሕዳር/18/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ደቡብ ቻይና ግዝኣት ጓንግዶንግ ዝተሃነፀ ሓዱሽ ብውሽጢ ባሕሪ ዘቋርፅ ዘበናዊ መገዲ ህንፀቱ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።

ክሳብ 6 ነጥቢ 8 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን እቲ  መገዲ÷ ኣካል ሼንዘንን ዞንግሻንን ዘራኽብ 24 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ኣውራ ጎዳና ከምዝኾነ ኤን ሓቢሩ።

መራኸቢ መገዲ ሼንዘን-ዞንግሻን÷ ኣብ ዓብዪ ባሕሪ ወሽመጥ ጓንግዶንግ- ሆንግ ኮንግ- ማካኦ ቀንዲ ፕሮጀክት ትራንስፖርት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ሓደ በዓቲ ውሽጢ ማይ፣ ክልተ ድልድላትን ክልተ ሰብ ስራሕ ደሴታትን ዝሓቖፈ እንትኸውን÷ እዚ ድማ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ኣዚዮም ፈተንቲ ባሕሪ ዘቋርፁ ፕሮጀክታት ሓደ ከምዝገብሮ ተሓቢሩ።

እቲ መቋረፂ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ንትራፊክ ክፍቲ ከምዝግበር ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ካብ ሼንዘን ናብ ዞንግሻን ዝወስድ ዝነበረ ክልተ ሰዓት ናብ 20 ደቒቕ ከምዝወርድ እውን ተገሊፁ።

መራኸቢ መገዲ ሼንዘን-ዞንግሻን ከም ሆንግ ኮንግ-ዙሃይ-ማካኦ ምስ ዝበሉ ነባር መስመር ድልድላት ብምጥማር ኣብ ከባቢ ዓብዪ ወሽመጥ ባሕሪ መቋረፂ ናሕሪን መተሓላለፍቲ ሩባታትን ከምዝፈጥር እውን ታሓቢሩ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም