ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣክሱም ገምጋም ሓባሪ መሳርሒ ጠሊ ሓመድ የሳልጥ ኣሎ



ኣዲስ ኣበባ / ሕዳር/18/ 2016 /ኢዜአ/ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣክሱም፣ ገምጋም ሓባሪ መሳርሒ ጠሊ ሓመድ የሳልጥ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ማእኸል ምርምር፥ ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ማይ ጥዑም ገምጋም ሓባሪ መሳርሒ ጠሊ ሓመድ (Wetting front detector) ኣብ መስኖ ዘለዎም ሓረስቶት እናሰርሐ ከምዝርከብ ኢዩ ተሓቢሩ።

እቲ መሳርሒ፥ ሓረስቶት ኣብ መስኖ ክጥቀምሉ ዝግባእ ዓቐን ማይን ግዜ ሰሌዳ ምስታይ ማይን ብዝግባእ ንምጥቃም ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ቅድም ክብል ውፅኢታውነቱ ኣብ ምርምር ጣብያ ከም ዝተረጋገፀ ኣብ ዕላዊ ገፅ እቲ ማእኸል ምርምር ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም