ንላዕለዎት ኣመራርሓታት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፈፃፅማ ንጥፈት ዘተኮረ ስልጠና ኣብ ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ሱሉልታ ይዋሃብ አሎ።


አዲስ አበባ/ሕዳር/18/2016/ኢዜአ/ ንላዕለዎት ኣመራርሓታት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፈፃፅማ ንጥፈት ጠመተ ዝገበረ ስልጠና ኣብ ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ሱሉልታ ይዋሃብ አሎ

ኣብቲ ስልጠና መኽፈቲ መደረ ዝገበሩ ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ነቲ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ስራሕቲ ሪፎርም ኣካላት ፀጥታ ከምዝተሰርሑ ኣዘኻኺሮም ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ 'ውን ከም ትካል ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ሪፎርም እናሰርሐ ምፅንሑ ገሊፆም።

ሪፎርም ፀጥታ መሰረት ብምግባር ነታ ከተማ ዝምጥን ኣወዳድባ ከምዝተፈጠረ፤ እቶም ኮሚሽነር ተዛሪቦም

ቑፅሪ ሓይሊ ሰብ ብምዕባይን ዓቕሚ ሎጂስቲክስ ብምጥንኻርን ዝተፈላለያ ፖሊሳዊ ዕጥቅታት ብምምላእ ዘበረታትዑ ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢሎም።

እቲ ስልጠና ዓወታት ንምጥንኻርን ኣብ ፖሊሳዊ ስብእናን ዲሲፕሊንን፣ ኣብ ምክልኻልን ምርመራን ገበንን ሓደጋ ትራፊክን፣ ብሓፈሻ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዝስትውዐሉ ክፍተታት ንምእራምን ንምስትኽኻልን ንኽሕግዝ ተሓሲቡ ከምዝተዳለወ ተዛሪቦም

ተመሳሳሊ ስልጠና ንኹሎም ኣመራርሓታትን ኣባላትን ከምዝወሃብ ኣረዲኦም።

 እቲ ስልጠና ንተኸታተልቲ መዓልትታት ከምዝቕፅል 'ውን ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም