ፕሬዚዳንት ኣንጎላ ጆኣዎ ማኑዌል ጎንካልቬስ ሎሬንኮ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ክሰርሑ ከምትደልይ  ገሊፆም፡፡


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/18/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ክሰርሑ ከምትደልዩ ፕሬዚዳንት ኣንጎላ ጆኣዎ ማኑዌል ጎንካልቬስ ሎሬንኮ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣንጎላ ፍርቱና ዲበኩ ደብዳበ ሽመተን ንፕሬዚዳንት ኣንጎላ ጆኣዎ ማኑዌል ጎንካልቬስ ሎሬንኮ ኣቕሪበን።

ኣብቲ እዋን ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ንግዲ፣ ሕርሻ፣ ቱሪዝምን ኢንቨስትመንት ምስ ሪፐብሊክ ኣንጎላ ብቐረባ ክትሰርሕ ከምትደሊ ኣምባሳደር ፍርቱና ገሊፀን።

ፕሬዚዳንት ጆኣዎ ማኑዌል ጎንካልቬስ ሎሬንኮ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ኣበ ዓውዲ ሕርሻ ልዑል ውፅኢት እናመዝገበት ከምትርከብ ፀሪሖም፡፡

ብተመሳሳሊኣንጎላ  ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ክትሰርሕ ከምትደሊ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም