ብፍልጠት ዝማዕበለ ዜጋ ንምፍጣር ኣብ መዳይ ትምህርቲ ዝሳለጡ ስራሕቲ ምምሕያሽ ጎልቢቶም  ክቕፅሉ እዮም -ሚኒስትር ትምህር ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ



 

አዲስ አበባ/ሕዳር/18/2016/ኢዜአ/ብፍልጠት ዝማዕበለ ዜጋ ንምፍጣር ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዝግበር ስራሕቲ ምምሕያሽ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሚኒስትር ትምህር ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም።

መበል 32 ጉባኤ ትምህርቲ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ እናተሳለጠ ይርከብ።

ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዝተሰርሐ ስራሕ ንዘለናሉ ደረጃ ግልፂ ገይሩ ዘርአየ ' ኢሎም።

ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ እናተገበረ ዝርከብ ምምሕያሽ ብቑዓት ዜጋታት ንምፍጣር ዕድል ዝህብ ምዃኑ ገሊፆም እቲ ዝተገበረ ስራሕቲ ምምሕያሽ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል 'ውን ተዛሪቦም።

ምክትል ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኢብራሂም ኡስማን ብወገኖም፤ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዕብየትን ለውጢ ማሕበረሰብን ንምምፃእ በዝሕን ፅርየትን ዘለዎ ዝተምሃረ ዜጋ ወሳኒ 'ዩ።

 

ኣብያተ ትምህርቲ ፍልጠት ዝደልዩ፣ ብኽእለት ዝማዕበሉን ብስነ-ምግባር ዝተሃነፁን ዜጋታት ንምፍራይ ጠመተ ክገብሩ ከምዘለዎም ተዛሪቦም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም