ኣብ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 ልዕሊ 193 ቢልዮን ብር ተኣኪቡ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 ልዕሊ 193 ቢልዮን ብር ከምዝተኣከበ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ ገሊፀን።

ኣፈፃፅማ ስራሕ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 ኣመልኪተን ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂአን እውን፤ ዋላ ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት እታ ሃገር ብዝተፈጠረ ፀገም ፀጥታ ኣታዊ ንምእካብ ፈተና እንተኾነ እቲ ኢኮኖሚ ዘምፀኦ ኣታዊ ናይ ምእካብ ዓቕሚ ግን እናወሰኸ ምምፅኡ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ እውን ኣብቲ ርብዒ ዓመት 196 ቢልዮን ብር ንምእካብ ዝተተለመ እንትኸውን ልዕሊ 193 ቢልዮን ብር ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።

እቲ ዝተኣከበ ኣታዊ ምስ ተመሳሳሊ ወቕቲ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ናይ 30 ቢልዮን ብር ወሰኽ ከምዘለዎ ኣረዲአን።

ኣብቲ ርብዒ ዓመት፤ 129 ቢልዮን ብር ካብ ግብሪ ውሽጢ ዓዲ፣ልዕሊ 64 ቢልዮን ብር ድማ ካብ ጉምሩኽ ከምዝተኣከበ እውን ኣብ መግለፂአን ሓቢረን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም