ሃፍትታት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ዘፋለጠ ፎረም ኣብ ቤጂንግ ተኻይዱ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2016 (ኢዜኣ) ፀጋታት ቱሪዝምን ዕድላት ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ንዜጋታት ቻይና ንምፍላጥ ዝዓለመ ፎረም ፕሮሞሽን ቱሪዝም ኣብ ቻይና ከተማ ቤጂንግ ተኻይዱ።

ኣብቲ ፎረም፤ ኣብ ቻይና ዝርከቡ መጎብነይቲ ትካላትን ኣብ ፕሮሞሽን ቱሪዝም ዝተዋፈሩ ሰብ ብፅሒትን ተረኺቦም።

ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ፤ ሃፍትታት ቱሪዝም፣ፍርያታትን ዕድላት ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ንዕዱማት ኣጋይሽ መብራህርሂ ሂበን።

ኣብ ኢትዮጵያ ንቻናውያን ጎብነይቲ ዝተመረፁ ፍርያታትን ኣገልግሎታትን ቱሪዝም እናተስፋሕፍሑ ምዃኖም ብምግላፅ ኩለ መዳያዊ ስፍራታት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ንክጉብንዩ ፃውዒት ኣቕሪበን።

እቲ ፎረም ዘዳለዎ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና እንትኸውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ቱሪዝም ምጥንኻር ከምዝግባእ ከምዝተገለፀ ካብ ሚኒስቴር ቱሪዝም ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም