ኦስትርያ ኣብ ዓውድታት መዓድን፣ተሓዳሲ ሓይሊ፣ግብርናን ምርባሕ እንሰሳትን ምስ ኢትዮጵያ ምትሕብባር ከምትደሊ ገሊፃ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2016 (ኢዜኣ) ኦስትርያ ኣብ ዓውድታት መዓድን፣ተሓዳሲ ሓይሊ፣ግብርናን ምርባሕ እንሰሳትን ምስ ኢትዮጵያ ምትሕብባር ከምትደሊ ኣፍሊጣ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ፍሉይ ተወካሊ መራሒ መንግስቲ ኦስትርያ ፒተር ላውንስኪ-ቲፈንታል ተዛትዮም።

እቲ ዘተ፤ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ፣ኢኮኖሚያዊ ዕድላትን ሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ልምዓታትን ዝጠመተ ምዃኑ ካብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኦስትርያ ክልቲኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምቕፃል ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ገሊፆም።

ፍሉይ ተወካሊ መራሒ መንግስቲ ኦስትርያ ፒተር ላውንስኪ-ቲፈንታል ብግደኦም፤ ኦስትርያ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት ከምዘለዋ ብምግላፅ ኣብ ዓውድታት መዓድን፣ተሓዳሲ ሓይሊ፣ግብርናን ምርባሕ እንሰሳትን ምስ ኢትዮጵያ ንምትሕብባር ድሌት ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም