ንመበል 18 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን እኹል ምድላው ተገይሩ እዩ-ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር


 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2016 (ኢዜኣ) ንመበል 18 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

እቲ በዓል ብኣዳላውነት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ሶማሌን ̎ብዝሃነትን ማዕርነትን ንሃገራዊ ሓድነት̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ከምዝኽበር ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ተዛሪቦም።

እቶም ኣፈ ጉባኤ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ተረኺቦም እቲ በዓል ንምኽባር ዝሳለጡ ዘለው ምድላዋት ድሕሪ ምዕዛቦም ክልል ሶማሌ ኣምባሳደር ብሄር፣ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣጋይሽ ንምቕባል እኹል ምድላው ገይራ ኣብ ምፅባይ ከምትርከብ ኣፍሊጦም።

እቲ በዓል ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ሓድነትና እነጠናኽረሉን ንሰላም ጠጠው እንብለሉን ምዃኑ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም